ናብ ቤት ትምህርቲ ኣቡነ እንጦንዮስ

እንቋዕ ብደሓነ ሰላምመጻእኩም

ኣብ ቤትምህርቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ትምህርቲ ክትመሃሩ ምስ ትደልዩ ኣብዚ ጠዊቕኩም ተመዝገቡ ።

ኣብዚ ዌብሳይት ንወስዶም ትምህርቲ

ትምህርተ መዝገብ ቅዳሴ

1. ኣብዚ ትምህርቲ ዜማ ቅዳሴ ብምሉእ ንመሃሮ
2. ግዕዝን ፡ ዕዝልን
3. ብቕልል ዝበለ ምልክት ቅድም ነጽንዕ።

ትምህርተ ቀኖና

1. ብዛዕባ ሕጊ ፡ ሥርዓት ቤ/ክ እነጽንዓሉ ዓውዲ እዩ።
2. ኣፈጻጽማ ምሥጢራት ን ረቂቕ ሕጊ ቤ/ክን ንመሃረሉ።

ትምህርተ መጻሕፍት

ትርጓሜ ( አንድምታ) ናይ ቅዱሳት መጻሕፍት እነጽንዓሉ ዓውደ ፍልጠት እዩ።
ኣብ ኤውሮጳ ንውሉደ ክህነት ትኩረት ብምግባር
ሰሉስ፡ ሓሙስ ፡ ሰንበት ፡ ካብ ሰዓት 8፡00- 9:15

ስልጠና ኮምፒዩተር

ንውሉደ ክህነት ሓገዝ ክኸውን ፡ ኣብ ኩሉ መዳያቶም ምስ ቴክኖሎጂ ዓለም ንኽጎዩ ተባሂሉ ዝተዳለወ ፡ መሠረታዊ ትምህርቲ እዩ።

ስልጠና ሜላ ስብከት

-ትጉሃትን ብሱላትን ብሜላ ዝተዓጻጸፉ ሰበኽቲ ንምፍራይ ዝዓለመ ዓውደ ፍልጠት እዩ።
-ትምህርተ ቀኖናን ፡ ትርጓሜ መጻሕፍትን ብመጠኑ ንዝተመሃሩ ዝወሃብ ትምህርቲ እዩ።
-ሜላ ስብከት ዝቐሰሙ ኣገልገልቲ ዕውት ዝኾነ ስብከት ከቕርቡ ይኽእሉ።

ታሪኽ ቤተክርስቲያን

– ብዛዕባ ጥንታዊትን ኣጽናፋዊትን ቤ/ክ ዘመዝግበቶ ዓወትን፡ ዝገጥማ ዝንበረ ብድሆታትን ፡ ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ ብኸመይ ሓሊፋ ናብዚ ዘለናዮ ደረጃ በጺሓ እነጽንዓሉ ዓውዲ እዩ።
– ንዝገጥማ ሽግራት በኸመይ ሓሊፋቶ ምጽናዕ ማለት ፡ ፍቱን መድሃኒት ምርካብ ማለት እዩ።

Don’t Wait

Contact Us For A Free Consult